እዚ መግለጺ እዚ ኣብቲ campaign.gov.uk ዝብል መርበብ ሓበሬታ ንዝሕተም ትሕዝቶ ዝምልከት እዩ። ኣብ ንኡሳን መርበብ ሓበሬታታት service.gov.uk (ንኣብነት, www.registertovote.service.gov.uk) ወይ ኣብ GOV.UK ንዘሎ ትሕዝቶ ኣይምልከትን እዩ።
እዚ መርበብ ሓበሬታ ብናይ መንግስቲ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት (Government Digital Service) ዝንቀሳቐስ እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ንኽጥቀሙሉ ዝተዳለወ እዩ። እቲ ጽሑፍ ንጹርን ንምርዳእ ቀሊልን ክኸውን ይግባእ። እዞም ዝስዕቡ ክትገብሩ ክትኽእሉ ይግባእ፥
- ብዘይ ጸገም ክሳብ 300% ኣቕሪብኩም ክትርእዩ ምኽኣል
- መብዛሕትኡ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ክፋል ቁልፊ ሰሌዳ ወይ ኪቦርድ ብምጥቃም ጥራይ ምድህሳስ ምኽኣል
- ንመብዛሕትኡ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ንናይ ዘረባ ምልላይ ሶፍትዌር ተጠቒምኩም ምድህሳስ ምኽኣል
- መብዛሕትኡ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ስክሪን መንበቢ ተጠቒምኩም ክትሰርሕ ምኽኣል (እቶም ናይ ቀረባ እዋን ስሪት JAWS, NVDAን VoiceOverን ሓዊስኩም)
እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ክሳብ ክንደይ ተበጻሒ እዩ
እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ተበጻሒን ምስ መምርሒ ተበጻሕነት ትሕዝቶ መርበብ ሓበሬታ ስሪት 2.1 Web Content Accessibility Guidelines version 2.1 AA ደረጃ ዝሰማማዕን እዩ።
ናይ GOV.UK ኣገልግሎታት
ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎት ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ተበጻሕነት ገጽ ኣለዎ፡ እዚ ድማ እቲ ኣገልግሎት ክሳብ ክንደይ ተበጻሒ ምዃኑ፡ ከመይ ጌርኩም ጸገማት ትሕብሩን ብኸመይ ሓበሬታ ብኣማራጺ ቅርጺ ትሓቱን ዝምልከቱ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ። ነዞም ገጻት ካብቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣገልግሎት ዘሎ እግረ ጽሑፍ ክትረኽቡዎም ትኽእሉ ኢኹም።
ናይ ርእይቶን ናይ ርክብን ሓበሬታ
ኣብ መልእኽትኹም ዝስዕብ ኣካትቱ፥
- ናይቲ ትሕዝቶ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻ (URL)
- ናይ ኢመይል ኣድራሻኹምን ስምኩምን
- እቲ እትደልዩዎ ቅርጺ – ንኣብነት፡ ንጹር ጽሑፍ፡ ብሬይል፡ BSL፡ ዓቢ ሕትመት ወይ ናይ ድምጺ ሲዲ
ካብ ገጹ ብተበጻሒ ቅርጺ ፒዲኤፍ ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ሰነድ ምስ ዘሕተመ ትካል ንምርኻብ ‘Request an accessible format’ (ተበጻሒ ቅርጺ ንምርካብ ሕተቱ) ኣብ ዝብል ጠውቑ።
ከምኡ’ውን ዝኾነ ጸገም ንምሕባር ወይ ሰነዳት ብኣማራጺ ቅርጺ ንምሕታት ናይቲ ትካል ፖሊሲ ተበጻሒ ሰነዳት ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።
ምስዚ መርበብ ሓበሬታ ዝተኣሳሰር ናይ ተበጻሕነት ጸገማት ሪፖርት ምግባር
ኣብ’ዚ ገጽ’ዚ ዘይተዘርዘረ ጸገም እንተረኺብኩም ወይ’ውን ነቲ ናይ ተበጻሕነት ረቛሒታት ዘየማልእ መሲሉ እንተተሰሚዕኩም፡ ምሳና ተራኸቡ።
ጥርዓን ሒዝኩም እንተረኺብኩምናን በቲ ዝሃብናዮ መልሲ ሕጉሳት እንተዘይኮይንኩምን ኣገልግሎት ኣማኻርን ደገፍን ማዕርነት (Equality Advisory and Support Service EASS) ተወከሱ።
ኮሚሽን ማዕርነትን ሰብኣዊ መሰላትን (Equality and Human Rights Commission፡ EHRC) ንኣካላት መንግስታዊ ጽላት መርበብ ሓበሬታን ናይ ሞባይል መተግበሪታትን) (ቁጽሪ 2) ደንቢ ተበጻሕነት 2018 (እቲ ‘ደንቢ ተበጻሕነት’) ናይ ምትግባር ሓላፍነት ኣለዎ።
ብዛዕባ ተበጻሕነት ናይ’ዚ መርበብ ሓበሬታ ቴክኒካዊ ሓበሬታ
ዲጂታላዊ ኣገልግሎት መንግስቲ፡ ብመሰረት ደንቢ ተበጻሕነት ኣካላት መንግስታዊ ጽላት (መርበባት ሓበሬታን ናይ ሞባይል መተግበሪታትን) (ቁጽሪ 2) 2018፡ መርበብ ሓበሬታታቱ ተበጻሒ ንምግባር ቆሪጹ እዩ።
ኩነታት ተገዘኣይነት
እዚ መርበብ ሓበሬታ ምስ Web Content Accessibility Guidelines version 2.1 AA ደረጃ ዝሰማማዕ እዩ።
ተበጻሓይ ዘይኮነ ትሕዝቶ
ተበጻሓይ ዘይኮኑ ከባቢታት የለዉን።
ናይዚ ናይ ተበጻሕነት መግለጺ ምድላው
እዚ መግለጺ ብዕለት 31 ጥሪ 2024 ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ንመወዳእታ ግዜ ድማ ብዕለት 23 ለካቲት 2024 ተገምጊሙ።