ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ክትሞቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ምምጻእ ኣዝዩ ሓደገኛ ኮይኑ ኣሎ።
እተን ጀላቡ ልዕሊ ዓቐን ዝተጨናነቓ፡ ንባሕሪ ጉዕዞ ዘይበቕዓን ኣብ እዋን ጉዕዞ ክሰባበራ ዝኽእላን እየን።
ኣብ ባሕሪ እንተወዲቕኩም ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ክትጥሕሉ ወይ ክትሞቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ናይ ሓሶት ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬት ኣየድሕነኩምን እዩ።
ነዳዲ እንተፈሲስኩም ብቆርበትኩም ኣቢሉ ክቃጸል እዩ። ንሓዋሩ በሰላ ወይ መልክዕኩም ክትበላሸዉ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብዘን ልዕሊ ዓቐን ዝጸዓና ጀላቡ ሰባት ይረጋገጹ፡ ይጭፍለቑን ይሞቱን።
ብዙሓት ቈልዑ በዚ ኸምዚ ሞይቶም እዮም። ኣብ ጃልባ ብምድያብ፡ ንኻልእ ሰብ ክትቀትሉ ትኽእሉ ኢኹም – እንተላይ ንህጻን ቆልዓ።
ኣብ ጉዕዞ ንእሽቶ ጃልባ ንኻልእ ሰብ ኣብ ሓደጋ እንተ ኣእቲኹም ክትእሰሩ ኢኹም።
ገበን ስለዝኾነ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ክፍረደኩም ይኽእል።
ኣስገርቲ ሰባት ብዛዕባኹም ኣይግደሱን እዮም። ገንዘብኩም ጥራይ እዮም ዝደልዩ።
ስለዚ ድማ እዮም ዝበዝሑ ሰባት ብሓይሊ ናብዘን ጀላቡ ዝድይቡ፡ እንተኣቢዮም ድማ ብብረት ከይተረፈ የፈራርሕዎም።
ሓደ ሓደ ግዜ በቃ የታልልኹም፡ ገንዘብኩም ይወስዱ ብምላሹ ምንም ነገር ከይገበሩልኩም።
ንገንዘብኩም ይኹን ንህይወትኩም ኣብ ሓደጋ ኣይትእትዉ።
ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ክትሞቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ 2021 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 39 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ተጎታቲት ሞይቶም ተረኺቦም እዮም።
ኣብ ውሽጢ ተዓጽዮም፡ ምትንፋስ ስኢኖም።
ኣብቲ ናይ መወዳእታ መልእኽቶም፡ ሓደ ግዳይ ‘ናብ ስድራይ ክምለስ እደሊ’የ’ ኢሉ።
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብናይ ጽዕነት መኪና ምምጻእ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ኣስገርቲ ብዛዕባኹም ይኹን ብዛዕባ እትፈትውዎም ሰባት ኣይግደሱን እዮም።
መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ማዕጾታት ብደገ ዝዕጸዉ እዮም። ኣብ ውሽጢ ምሉእ ብምሉእ ጸልማት ኮይኑ፡ ብርቱዕ ሙቐት ወይ ብርቱዕ ቁሪ ድማ ይገጥመኩም።
ብዙሓት ናይ ጽዕነት መካይን ኮንተይነራትን ኣየር ዘይኣትዎም እዮም። እቲ ኣሰጋጋሪ ብዝኾነ ምኽንያት ማዕጾ ክኸፍት እንተዘይክኢሉ፡ ወይ ድማ ብርቱዕ ትራፊክ ነቲ ጉዕዞ እንተደናጒይዎ፡ ኣየር ሓጺርኩም ክትዕፈኑ ኢኹም።
እዚ ንዓኹም ይኹን ንእትፈትዎም ሰባት ከጋጥመኩም ኣይትፍቀዱሉ።
ዋላ እውን እንተ ሰገርኩም፡ ሕጂ እውን ኣብ ሓደጋ ኢኹም ዘለኹም።

እቶም ነዚ ጉዕዞኹም ከዳልዉ ዝሓቱ ሰባት ገበነኛታት እዮም። ናይዞም ሰባት እዚኦም ዕዳ ክህልወኩም ኣይትደልዩን ኢኹም።
ሓደ ናይ ሰባት ኣሰጋጋሪ ብዛዕባ ስራሕ ቃል ኣትዩልኩም፡ እዚ ናይ ሓሶት እዩ።
ኣብኡ ምስ በጻሕኩም ናብ ባርያኦም ክትቅየሩ ትኽእሉ ኢኹም። ክብድሉኹምን ኣካላዊ ጥቕዓት ከውሩዱልኩምን ይኽእሉ እዮም።
ነዞም ገበነኛታት ብውሑድ ክፍሊት ወይ ብዘይ ደሞዝ ኢኹም ትሰርሑሎም። ኣብ ዕዳ ኢኹም ትኣትዉ መውጽኢ ድማ ኣይህልወኩምን።
ንስድራኹም ኣብ ሓደጋ ክተእትውዎም ትኽእሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኣብ መስመር ንኽትጸንሑ ኣብ ዓድኹም ንዘለዉ ስድራቤትኩም የፈራርሕዎም እዮም።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዘይሕጋዊ ስደተኛ ህይወት ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ብዛዕባ ክውንነት ዘይሕጋዊ ስደት ዝያዳ ፍለጡ።
ዘይሕጋዊ ስደት ዘስዕቦ ሓደጋታት ምስ እትረኽብዎ ዓስቢ ኣየዋጽእን።
ኣስገርቲ ሰባት ሪፖርት ግበሩ
ሓደ ሰብ ብዘይ ቪዛ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንክትመጹ ክሕግዘኩም ቃል ኣትዩልኩም እንተኾይኑ ሪፖርት ክትገብርዎ ይግባእ።
ብዛዕባ ድሕነትኩም ይኹን ብዛዕባ መጻኢኹም ኣይግድሶምን እዩ። ኣብ ቻነል እንግሊዝ ኣብ ሓደገኛታት ጀላቡ ንዝሞቱ ሰባት ተሓተትቲ ኣሰጋገርቲ ሰባት እዮም።
ደው ኣብልዎም። ሪፖርት ግበሩልና። መንነትኩም ክሕሎ እዩ።
ሕጋዊ ጉዕዞ
ንዝሓሸ ህይወት ወይ ድሕነት ንምድላይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትመጹ እንተደሊኹም፡ እቲ እንኮ መንገዲ ብሕጋዊ መንገዲ ናብዚ ምምጻእ እዩ።
“