እዚ መርበብ ሓበሬታ ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት (Home Office) ምስቲ ኣካል ቤት ጽሕፈት ካቢነ ሚኒስተራት ዝኾነ መንግስታዊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት (Government Digital Service, GDS) ብምትሕብባር ዝቐርብ እዩ።
Home Office ናይ እዚ መርበብ ሓበሬታ ዝተሓተተ ዝኾነ ኩሉ ውልቃዊ ሓበሬታን ብኩኪታት ዝተኣከበ ዝኾነ ኩሉ ውልቃዊ ሓበሬታን ተቆጻጻሪ ሓበሬታ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ካቢነ ሚኒስተራት ከም ኣካል ናይቲ መሰረታዊ መድረኽ ከም IP ኣድራሻታት ምቕራብ ንዝስራሕ ውልቃዊ ሓበሬታ ቁጽጽር ዝገብር ናይ ዳታ ተቖጻጻሪ እዩ።
ተቖጻጻሪ ዳታ ውልቃዊ ዳታ ብኸመይን ስለምንታይን ከም ዝስራሕ ይውስን። ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ሓለዋ መረዳእታ (Data Protection Public Register) ዝርከብ ጽሑፍ ቤት ጽሕፈት ካቢነ ሚኒስተራት ኣንብቡ።
ኣየናይ ዳታ ኢና ንእክብ ስለምንታይ’ከ የድልየና
GDS ነዚ መርበብ ሓበሬታ ክትበጽሕ ከለኹም ገለ ዳታ ብኣውቶማቲክ ይእክብ። እዚ ድማ ናይ ኢንተርነት ፕሮቶኮል (IP) ኣድራሻኹም፡ ከምኡ’ውን ዝርዝር ናይ ኣየናይ ስሪት ናይ መርበብ ሓበሬታ ከም እትጥቀሙ የጠቓልል። GDS ነዚ ሓበሬታ እዚ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ንምእታውን ንጸጥታዊ ሓደጋታት ንምልላይ ኣጠቓቕማ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ንምክትታልን ይጥቀመሉ።
ፍቓድኩም ኣብ እትህበሉ እዋን ድማ Home Office ብዛዕባ ነዚ መርበብ ሓበሬታ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ንምእካብ Google Analytics ወይ Google Analytics 4 ይጥቀም፥
- ኣብ GOV.UK እትበጽሕዎም ገጻት
- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ GOV.UK ክንደይ ግዜ ከም እተሕልፉ
- ከመይ ጌርኩም ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝበጻሕኩም
- ኣብ’ቲ መርበብ ሓበሬታ ምስበጻሕኩም እንታይ ትጥውቑ
- ስሙ ዘይተገልጸ IP ኣድራሻኹም ብምጥቃም ናይቲ ዘለኹምሉ ቦታ ዝሕብር ሓበሬታ
ብቐጥታ ውልቃዊ መንነት ዘለሊ ሓበሬታ (ንኣብነት ስምኩም ወይ ኣድራሻኹም) ብመንገዲ Google Analytics ወይ Google Analytics 4 ኣይእከብን እዩ። Home Office ብመንገዲ ናይ ትንታነ ሓበሬታ ኣየለልየኩምን እዩ፡ ከምኡ’ውን ናይ ትንታነ ሓበሬታ ምስ ካልኦት ናይ ዳታ ስብስባት መን ምዃንኩም ብዘለልይ መንገዲ ኣየወሃህዶን እዩ።
Cloudflare Web Analytics ዝተጠርነፈ፡ ስሙ ዘይተገልጸ ስታቲስቲክስ ኣጠቓቕማ ንምእካብ ጥራይ ዝጥቀመሉ ኮይኑ ውልቃዊ መረዳእታ ኣይእክብን ወይ ኣይሰርሕን እዩ።
Home Office ነዚ ሓበሬታ እዚ እቲ መርበብ ሓበሬታ ድሌታት ተጠቀምቱ የማልእ ከምዘሎ ንምርግጋጽን ምምሕያሻት ንምግባርን ይጥቀመሉ።
ብዛዕባ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዝጥቀሙሉ ኩኪስ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ገጽ ኩኪስ ርአዩ።
ንመስርሕ ዳታኹም ሕጋዊ መሰረት
GDS ምስ ድሕነት ሳይት ብዝተኣሳሰር ውልቃዊ መረዳእታ ንምስራሕ ዝጥቀመሉ ሕጋዊ መሰረት ድሕነትን ቅንዕናን ናይቲ መድረኽ ኣብ ምርግጋጽ ዝዓለመ ሕጋዊ ረብሓታቶም እዩ።
GDS ንኹሉ ካልእ ውልቃዊ ዳታ ንምስራሕ ዝጥቀመሉ ሕጋዊ መሰረት፡ ንረብሓ ህዝቢ ወይ ከም ክፍሊ መንግስቲ ዝኣመሰሉ ስራሕና ኣብ ምፍጻም ኣድላዪ እንተኾይኑ እዩ
ናይ Home Office ሕጋዊ መሰረት ሓበሬታኹም ብGoogle Analytics ወይ Google Analytics 4 ንምእካብ እትህብዎ ፍቓድ እዩ።
ብዳታኹም እንታይ ንገብር
GDS ወይ Home Office ሕጋውን ምኽኑይን ንግዳዊ ድሌት ኣብ ዘለዎ ቦታ ምስ ካልኦት ክፍልታት መንግስቲ፡ ትካላትን መንግስታዊ ኣካላትን ዳታ ከካፍል ይኽእል። ዳታ ምስ ኣቕረብቲ ቴክኖሎጂ እውን ክካፈል ይኽእል እዩ፡ ከም ዳታ ፕሮሰሰር ዝሰርሑ ኣቕረብቲ ሆስቲንግ።
ዝስዕቡ ነገራት ኣይንገብርን ኢና፥
- ዳታኹም ንሳልሳይ ወገን ምሻጥ ወይ ምክራይ
- ንዕላማታት ንግዲ ዳታኹም ምስ ሳልሳይ ወገን ምክፋል
- ነቲ ናይ ትንተና ዳታ ንውልቀሰባት ንምልላይ ምጥቃም፡ ንኣብነት ምስ ካልኦት ዳታሴት ብምትእስሳር
ብሕጊ – ንኣብነት ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ፡ ወይ ምትላል ወይ ካልእ ገበን ንምክልኻል – ዳታኹም ክነካፍል ኢና።
ዳታኹም ክሳብ ክንደይ ንዕቅቦ
ውልቃዊ መረዳእታኹም ኣብዚ ሰነድ ንዝተቐመጠ ዕላማታት ክሳብ ዘድሊ ወይ ሕጊ ክሳብ ዝጠልበና ጥራይ ኢና ክንዕቅቦ።
GDS ድሕሪ 120 መዓልታት ናይ መእተዊ ሎግ ዳታ ክድምስሶ እዩ።
Home Office ድሕሪ 14 ኣዋርሕ ዳታ Google Analytics ወይ Google Analytics 4 ክድምስሶ እዩ።
ናይ ህጻናት ብሕታዊነት ምሕላው
እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ን13 ዓመትን ትሕቲኡን ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝተዳለወ ወይ ኮነ ኢሉ ዕላማ ዝገበረ ኣይኮነን። GDS ወይ Home Office ብዛዕባ ዝኾነ ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ዳታ ኮነ ኢሎም ኣይእክቡን ወይ ኣይዕቅቡን እዮም።
ዳታኹም ዝስርሓሉን ዝኽዘነሉን ቦታ
ምስቲ መሰረታዊ መድረኽ ዝተኣሳሰር መረዳእታ ኣብ ቁጠባዊ ከባቢ ኤውሮጳ (European Economic Area, EEA) ይስራሕን ይኽዘንን። ብ Google Analytics ወይ Google Analytics 4 ዝተኣከበ መረዳእታ ንከይዲ መስርሕ ካብ EEA ወጻኢ ክሰጋገር ይኽእል።
ዳታኹም ከመይ ጌርና ንሕልዎን ውሑስ ንገብሮን
ዳታኹም ውሑስ ንኽኸውን ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ቃል ኣቲና ኣለና። ብዘይፍቓድ ዳታኹም ንኸይኣቱ ወይ ንኸይግለጽ ስርዓታትን ኣሰራርሓታትን ኣዳሊና ኣለና – ንኣብነት፡ ዝተፈላለየ ደረጃታት ምስጠራ ተጠቒምና ዳታኹም ንከላኸሎ።
ብተወሳኺ ዝኾነ ምሳና ዝሰርሑ ሳልሳይ ወገን ንኹሉ ብስምና ዘሰላስልዎ ውልቃዊ መረዳእታ ውሑስ ምዃኑ ነረጋግጽ።
መሰላትኩም
ዝስዕብ ክትሓቱ መሰል ኣለኩም፥
- ውልቃዊ መረዳእታኹም ብኸመይ ከም ዝስራሕ ዝምልከት ሓበሬታ
- ቅዳሕ ናይቲ ውልቃዊ መረዳእታ
- ኣብ ውልቃዊ መረዳእታኹም ቅኑዕ ዘይኮነ ነገር እንተሃልዩ ብቕጽበት ከም ዝእረም
ብተወሳኺ፥
- ውልቃዊ መረዳእታኹም ብዛዕባ ዝስርሓሉ ኣገባብ ምቅዋም
- ድሕሪ ደጊም ንዕኡ ዝኸውን ምኽንያት እንተዘይሃልዩ ውልቃዊ መረዳእታኹም ክድምሰስ ምሕታት
- ኣብ ዝተወሰኑ ኩነታት መስርሕ ውልቃዊ መረዳእታኹም ድሩት ክኸውን ምሕታት
ካብዞም ሕቶታት ዝኾነ እንተሃልዩኩም፡ ብ gds-privacy-office@digital.cabinet-office.gov.uk ተራኸቡ።
ምሳና ተራኸቡ ወይ ጥርዓን ኣቕርቡ
ንጉጅለ ብሕታዊነት GDS ብ gds-privacy-office@digital.cabinet-office.gov.uk ተወከሱ እንተድኣ፥
- ኣብዚ ናይ ብሕትውና ምልክታ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ሕቶ ሃልዩኩም
- ውልቃዊ መረዳእታኹም ብጌጋ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ ወይ ብጌጋ ከምዝተትሓዘ ሓሲብኩም
ብተወሳኺ ንናይ ቤት ጽሕፈት ካቢነ ሚኒስተራትን Home Officeን ሓለፍቲ መረዳእታ (Data Protection Officers, DPO) ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም፥
ሓላፊ ሓለዋ መረዳእታ (Data Protection Officer)
DPO@cabinetoffice.gov.uk
Cabinet Office
70 Whitehall
London
SW1A 2AS
ቤት ጽሕፈት DPO
dpo@homeoffice.gov.uk
Peel Building
2 Marsham Street
London
SW1P 4DF
እቶም DPOታት ብዛዕባ ናትና ኣጠቓቕማ ውልቃዊ ሓበሬታ ናጻ ምኽርን ምክትታልን ይህቡ።
ናብቲ ናጻ ተቖጻጻሪ ዝኾነ ኮሚሽነር ሓበሬታ እውን ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእሉ ኢኹም።
ኮሚሽነር ሓበሬታ (Information Commissioner)
casework@ico.org.uk
ቴሌፎን፥ 0303 123 1113
ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ቴሌፎን፥ 01625 545860
ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 9 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 4፡30 ድሕሪ ቀትሪ
ብዛዕባ ክፍሊት ጻውዒት ፍለጡ
ቤት ጽሕፈት ኮሚሽነር ሓበሬታ (Information Commissioner’s Office)
Wycliffe House
Water Lane
Wilmslow
Cheshire SK9 5AF
ኣብዚ ምልክታ ዝግበር ለውጢ
እዚ ምልክታ በብእዋኑ ክቕየር ይኽእል እዩ። ኣብ ከምኡ ኩነታት፡ ኣብ ታሕቲ ናይዚ ገጽ ዘሎ ‘ናይ መወዳእታ ዝተመሓየሸሉ’ ዕለት’ውን ክቕየር እዩ። ዝኾነ ኣብዚ ናይ ብሕታዊነት ምልክታ ዝህሉ ለውጢ ንዓኹምን ኣብ ዳታኹምን ብቕጽበት ዝምልከት እዩ።
እዚ ለውጥታት እዚ ንውልቃዊ መረዳእታኹም ብኸመይ ከም ዝስራሕ ዝጸልዎ እንተኾይኑ፡ GDSን Home Officeን ንዓኹም ንምሕባር ርትዓዊ ስጉምትታት ክወስዱ እዮም።
መወዳእታ ዝተመሓየሸሉ ዕለት 11 ግንቦት 2026