Skip to main content

Facts on UK immigration

ሓድሽ ውዕል ዩናይትድ ኪንግደም ፈረንሳይን ኣሎ።

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዩናይትድ ኪንግደም እንተመጺእኩም፡ ሕጂ ናይ ምስጓግ ሓደጋ ኣለኩም ከምኡ’ውን ዳግማይ ናብ ዩናይትድ ኪንግደም ክትኣትዉ ወይ ድማ ብዘይ ሕጋዊ መሰል ኣብ ፈረንሳይ ክትጸንሑ ብቑዕ ኣይክትኾኑን ኢኹም።

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዩናይትድ ኪንግደም ክትመጹ እንተፈቲንኩም ኩሉ ክትስእኑ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣሰጋገርቲ ሰባት ብሰላም ናብ ዩናይትድ ኪንግደም ከብጽሑኹም ከምዝኽእሉን ኣብኡ ክትጸንሑ ከምዝፍቀደልኩምን ይዛረቡ። ሓሶት እዮም ድማ ዝነግሩኹም ዘለዉ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውዕል፡ ሕጂ ናይ ምስጓግ ሓደጋ ኣለኩም፡ ዳግማይ ናብ ዩናይትድ ኪንግደም ክትኣትዉ ድማ ብቑዕ ኣይክትኾኑን ኢኹም። እቶም ኣስገርቲ ገንዘብኩም ወሲዶም ክተርፉ እዮም።

ዛጊድ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ ልዕሊ ዓቐን ዝተጨናነቓ ንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክበጽሑ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ሞይቶም ኣለዉ። ሕጂ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣዝዩ ሓደገኛ ኮይኑ ኣሎ።

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዩናይትድ ኪንግደም ክትኣትዉ ምፍታን ዋጋ የብሉን። ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ማእሰርትን ምስጓግን የጋጥመኩም።

ናይ ገበን ንጥፈታት ታሪኽ እንተሃልዩኩም ወይ ብዛዕባ መንነትኩም ትሕስዉ እንተኾንኩም፡ ኣሰር ኣጻብዕትኹምን ምስሊ ገጽኩምን ክንወስድ ኢና፡ እዚ ድማ ምስ ዳታቤዛትና ክምርመር ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ። በዚ ኣቢልና ድማ መን ምዃንኩም ፈሊጥና ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።

ህይወትኩም ኣብ ሓደጋ ኣይትእትዉ ወይ ገንዘብኩም ኣይተባኽኑ።